
ብድሆታት መንእሰያት ኣፍሪቃን ንምሕጋዞም ዝውሰድ ዘሎ ስጉምትታትን፡ ዝርርብ ምስ ዋና ኣካያዲ ኣፍሪከውዝ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ።
መንእሰያት ኣፍሪቃውያን ኣውስትራሊያውያን ኣብ ትምህርቲን ኣብ ስራሕ ምርካብን ብዙሕ ብድሆታት ኣለዎም። እዚ ብፍላይ ምስ ገበን ተተሓሒዙ ካብ'ቲ ኣዚዩ ንህይወቶም ዘጸግም ዘሎን ክወጽእሉ ኣብ ዘይክእልሉ ዕንክሊል ዘእትዎምን ኮይኑ ኣሎ። ብንኡስን ዓብን ገበን ተኸሲሶም ኣብ መዳጎኒ ዝርከቡ ናብ ኣሸሓት ቁጽሪ ደይቡ ይርከብ። ነዚ ጸገም ኣብ ምፍታሕ ኣብ ጎኒ ወለድን ትካላት መንግስቲን ዝሰርሕ ዘሎ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል Africause ሓደ እዩ። ነቲ ኣብ መንአያት ዘሎ ጸገምን ትካሎም ዝገብሮ ንጥፈታትን ንኽምልሰልና ምስ ዋና ኣካያዲ'ቲ ትካል ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። #sbsaudiopodcast
Audio and video play straight from the show's own hosting. PodSubs stores and serves no media.

