
ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ መደብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ሕዳር 2026)
* ዕለታዊ ዜና ኤስቤስ ትግርኛ - ምውፋር ወተሃደራዊ ቅዲ ዘለዎም ጠበንጃታት ዝዓጠቑ ፖሊስ ኣብ ህቡባት ቦታታት ቱሪዝም፣ ቦታታት እምነትን ዓበይቲ ውራያትን ከተማ ሲድኒ ዝተሓዋወሰ ግብረመልሲ ፈጢሮም፣ - ወነንቲ ብረት ኣብ መላእ ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ፣ ናይ’ታ ግዝኣት መደብ ምእካብ ወይ መሊስካ ምግዛእ ኣብ ዝጀመረሉ፣ መሳርሒታቶም ካብ ሎሚ ጀሚሮም ከረክቡ ይኽእሉ’ዮም። - ኣብ ፍራንክፈርት ጎነጻዊ ናዕብታት ድሕሪ ምልዓሎም ልዕሊ 100 ኣባላት ፖሊስ ተጎዲኦምን 54 ሰባት ድማ ተኣሲሮም። * ምባፐን ርእይቶኡ ዝፈጠሮ ክትዓትን ነቐፌታታን ኣብ ቻይናውያን [መደበራት ቴሌቪዥን ቻይና ኮኾብ ሪያል ማድሪድ ፈረንሳዊ ኪልያን ምባፐ ብዛዕባ ማኦ ዘዶንግ ድሕሪ ዝሃቦ ዋዛ ሓዘል ርእይቶ ሸፈነ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ላሊጋ ኣቋሪጸንኦ። ምባፐ ዝተዛረቦን ዘስዓቦ ግብረመልስታትን እንታይ ኔሩ ኣብ’ዚ ትሕዝቶ ክንድህስሶ ኢና።] * ጸብጻባት ልኡኽና ►ኤርትራ ነታ ‘ሓንቲ ካብ 100 ጀጋኑ ልምዓት’ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ጓለንስተይቲ ኣተባቢዓ፣ ሓይልታት ምሕዝነት ንህልውና ሕጂ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምቛም ከም ዝዕልሙ ገሊጾም፣ ኣመሪካ ኣብ ኣርሲ ሃይማኖት መሰረት ብምግባር ዝተፈጸሙ ቅትለታት ኮኒና ምርመራ ክግበር ጸዊዓ፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብምክንያት’ቲ ብዘይ ፍርዲ ዝፍጸም ማእሰርቲ፡ ምስዋር ዜጋታትን ጉድለት ተሓታትነትን ዝጀመሮ ጸቕጢ ቀጺሉሉ፣ ሱዳን ንግዝኣታ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምፍቃድ ኣማኢት ሰላማውያን ሰባት ክቐትሉ ወይ ክቖስሉ ገይራ ኢላ ንኢትዮጵያ ከሲሳ ዝብሉ ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። *ግዝኣት ቪክቶርያ ምርጫኣን ►ቀቅድሚ ናይ ወርሒ ሕዳር ምርጫ ግዝኣት ቪክቶርያ ዝተኣከቡ መለክዒታት ርእይቶ ህዝቢ ልዑል ወሰኽ ኣብ ደገፍ ንሰልፊ ዋን ኔሽን ኣርእዮም። እንተኾነ ግን እቶም ኣሃዛት ዘመልክትዎ ገለ ካብ'ቲ ዝውስኽ ዘሎ ደገፍ ካብ ሓደ ዘገርም ወይ ዘይትጽበዮ ምንጪ ምምጽኡ'ዩ - መጻእቲ ማሕብረሰባት (ወይ ማይግራንት ኮምዩኒቲስ)። ብቋንቋን ባህልን ዝተፈላለዩ ኣድመጽቲ 30% ካብ ናይ’ታ ግዝኣት ክፋል ኣድመጽቲ ዘቑሙ ፖለቲካዊ መጻኢ ቪክቶርያ ክውስንዎ ድዮም፧ ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ እነሆ። * ድሕሪ ምርጫ መፋርቕ ግዜ ስልጣን (ሚድተርምስ) ሰልፊ ሪፓብሊካንን ምንቅስቓስ ትራምፕን (ትራምፒዝም) እንታይ ክኾኑ'ዮም፧ [ምርጫታት ሚድተርም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ከም ሪፈረንደም ኣብ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኮይኖም ክረኣዩ ጸኒሖም’ዮም፣ እዚ ዓመት ድማ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እቶም ውጽኢታት ብተወሳኺ ድሕሪ ዶናልድ ትራምፕ እንታይ’ዩ ክመጽእ ሓደ ካብ’ቶም ዝነጸሩ ምልክታት ክህቡናዮም። ኣሜሪካ ጽባሕ ሰሉስ 3 ሕዳር ኣብ ተድምጸሉ፣ ሪፓብሊካውያን ሓደ ዝዓበየ ሕቶ ይጽበዮም፣ ድሕሪ ትራምፕ እንታይ’ዩ ክመጽእ፧] #sbsaudiopodcast
Audio and video play straight from the show's own hosting. PodSubs stores and serves no media.

