
ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ኢትዮጲያን ኤርትራን ከህድእ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ።
ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን እናገደደ ብምኻዱ፡ ሃገራት ጉጅለ G7 ንሓደጋ ምስፋሕ ዞባዊ ግጭት መጠንቀቕታ ሂቦም። ናይ ኣሜሪካ ሰነተራት ኣብ ኢትዮጵያ ዝስፋሕፋሕ ግጭት ንምክልኻል ስጉምቲ ካልኣይ ደብዳቤ ጽሒፎም። ኢትዮጵያ ፡ኤርትራን ሱዳንን ንዕጡቓት ጉጅለታት ይድግፋን መጥቃዕቲ ድሮን የካይዳን ኣለዋ ክትብል ናብ ልኡኽ ሕቡራት_ሃገራት ክሲ ኣቕሪባ። ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ኢትዮጲያን ኤርትራን ከህድእ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ። ኣብ ትግራይ ምኽፋል መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተጀሚሩ። በዓል ሓደራ ምምሕዳር ትግራይ ዕደና ወርቂን ካልእ ክቡር መኣድንን ብህፁፅ ጠጠው ክብል መምርሒ ኣውሪዱ። ኣብ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን 'ናይ ጣዕሳ ፎርም' ከይፈረሙ መንበሪ ፍቓድ ከመልክቱ ተፈቒዱሎም። ኣብ ጅማ ኦሮምያ ብዝተፈጥረ ግጭት ህይወት ሰብ ሓሊፉ። #sbsaudiopodcast
Audio and video play straight from the show's own hosting. PodSubs stores and serves no media.

