
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (26 ጥቅምቲ 2026)
ንሎሚ ዝተዳለወ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (ኣርእስታቱ)፡ * መራሒ ሰርብያ ኣብ ምርጫ ሃገሩ በቲ ብተመሃሮ ዝተመርሐ ምንቅስቓስ ተቓውሞ ከምዝተሳዕረ ኣሚኑ፣ * መራሕቲ ቱሪዝምን ፖለቲከኛታት ኣብ ዘሞገስዎ ስነስርዓት ካብ ሓድሽ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣውስትራልያ ናይ ፈለማ ንግዳዊ በረራ ብዓወት ተበጊሳ፣ * ተቓዋሚ ሰልፊ ኣውስትራልያ ትካላት ጸጥታ ንድሕነት ፖለቲካውያን ኣብ ዝሕልዋሉ ወይ ዝከላኸላሉ ሚዛን ክሕልዋ ኣለወን ይብል፣ ጸብጻብ ልኡኽና * በዓል ሓደራ ተባሂሉ ዝቖመ ምምሕዳር ትግራይ ብኹናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናይ ምምላስ መስርሕ ከምዝጅምር ኣፍሊጡ፣ * ኢትዮጵያ ሓለዋ ፀጥታ ቀይሕ ባሕሪ ንውሑዳት ሃገራት ጥራይ ዝግደፍ ኣይኮነን ብምባል ተሳትፎ ክህልዋ ሓቲታ፣ ሚንስትሪ ዜና ኤርትራ ብወገኑ ነቲ ሕቶ ምስሉይነት ዝብል ምላሽ ሂቡዎ፣ * ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ዞባ ዘሎ ጸጥታዊ ብድሆታት ንሓድሕዱ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣጠንቂቑ፣ * ኦፌኮ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌ ንዘጋጠመ ጐንፂ ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ነቒፉ። * ናይጀርያ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ናይ ፈለማ ሕሙም ኢቦላ ድሕሪ ምርካባ ኣፍሪቃ ‘ዝተሓላለኸ’ ኩነታት ለበዳ ይጽበያ። ኣብ ዲኣርሲ ዝተበገሰ ለበዳ፣ ሕጂ፣ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ምስጋሩ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ስግኣታት ክለዓሉ ገይሩ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኤርትራዊ ኣውስትራልያዊ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ ብሰፊሕ ኣተሓሳስባኡ ዝፍለጥ፡ ኣብ ንእስነቱ “ኣምላኽ የለን” ንዝብል ኮሚኒስታዊ ኣተሓሳስባ ንምምጓት መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዘንበበ ድሒሩ ግና ንማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተቐቢሉ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ዝጎስጎሰ’ዩ። ኣብ ጥቓ ሱዳን ብህዝባዊ ሓልታት ንኽልተ ዓመት፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ውን ከምኡ ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣውስትራሊያ ቅድሚ ኣስታት 30 ዓመት ዝኣተወ’ዩ። ኣብ ፖሎቲካን ንግድን ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣቶ ሃይለ ሎሚ ኣብ ኣተሓሳስባኡ ለውጢ ብምምጻእ ብማልቲዛዊ ፈላስፋን ጸሓፍን Edward de Bono ተጸልዩ ኣብኡ ምርኩስ ዝገበረ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽሓፍ ኣዳልዩን ብማሕበራዊ መራኸቢ ሓሳባቱ ክገልጽ ኣብ ምሽብሻብ ዝርከብን’ዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ ዕላል ምስ ኣቶ ሃይለ ካልኣይ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ’ዩ። #sbsaudiopodcast
Audio and video play straight from the show's own hosting. PodSubs stores and serves no media.

